Breaking

ገጽ ኣምላኽ ምድላይ

ንእግዚኣብሄር ንደልየሉ ግዜ ሕጂ እዩ፡ ግን በቲ ቅኑዕ ኣገባብ ክኸውን ይግባእ!!!



ሓፈሻዊ መግለጺ ትርጉም ምድላይ ዝብል ኣምር፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ 400 ግዜ ዝተጻሕፈ ምኻኑን (ምንጪ፡ ቤተዛዮን ዌሳይት) ኣብ ሰለስተ ቃላት ክልተ ኢብራይስጥ (ባካሽ ወይ ዳራሽ) ሓደ ከኣ ግሪኽ (ዜይቴዮ) ብዝብል ቃላት ተተርጊሙ ንረኽቦ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ቃሉ ከም ዝምህረና ገጹ ምድላይ ከም ውልቃዊ ግዜ ምስኡ ምሕላፍ፡ ህልውናኡ ምስትምቃር ብዝብል ሰፊሕ ትርጉም ዝሓዘለ ሓሳባት ዝርከቦ ነቲ ማይ ዘይኮነስ ነቲ ምንጪ ማያት ምጽማአ ከም ማለት፡ ኮይኑ ተገሊጹ ንረኽቦ። ኢድ ኣምላኽ ምድላይ ግና ሓደ ግዝያዊ ካብ ዝኾነ ክቱር ድሌት ዝብገስ ኮይኑ ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ንግንዘቦ ሓቂ ብቀረባ ናይ ደቂ እስራኤል እዩ፡ እዚ ከኣ ኩነታዊ ድሌት ምኻኑ እዩ። እምበኣር ከም ኣብነት ዝኾኑና ታሪኽ ናይ ደቂ እስራኤል ኢድ ኣምላኽ ምድላይን ናይ ዳዊትን እንዳ ኣገናዘብና ካልእ ነዚ መደራዕታ ዝኾኑና መወከሲታት ዘሳነዮ ኣብንታት ክንርኢ ኢና።

ትርጉም ናይ ቃላት “ድሌት” ምግላጽ ነቲ ሓሳብ ጽሑፈይ ዝያዳ ንኣንባቢ ዓሚቅ ትርጉም ዘለዎ ሓሳብ ምኻኑ ብምግንዛብ ንኸንብቦ ክቅስቦ ብዝብል ዕላማ ኮይኑ። ኣብቲ ኣብነት ዝጥቀመሎም ሓሳባት ድማ ዝያዳ ነቲ ትርጉም ዝገልጹን ንሰማዒ መሊሱ ክብርብሮ ኣንፈት ዝህቡን ኮይኖም ክቀርቡ እዩ እቲ ቀንዲ ሓሳብ እዚ መእተዊ። ንኣብነት 

  1. ን ኣምላኽ ምእማን
  2. ን ኣምላኽ ምምላኽ
  3. ን ኣምላኽ ምእዛዝ
  4. ካብ ክፋእ መንገዲ ምምላስን ነገርካ ምቅናዕን 
  5. ሓድሽ ሂወት ንምህላው ክቱር ድሌት ዝገልጽ ትርጉም ዝውንን እዩ።

1- ገጽ ኣምላኽ ምድላይ እምነት እቲ ቀዳማይ ረቓሒ፡ ምኻኑ ማለት (እብ11:6) ኣምላኽ ከም ዘሎ ህያው ምኻኑን፡ ነቶም ዝደልይዎ ውን ሰናይ ምኻኑን ምእማን። እዚ ድማ ጀማሪ ዝምድና ምስ ኣምላኽ ምኻኑ መጽሓፍ-ቅዱስ ይምህረና (ዮሃ17:3) ንኣምላኽ ክንፈልጦ ክንፈልጦ ድማ ብእምነት ክንስዕቦ (ሆሴ6:4) ይሕብረና።

ደቂ እስራኤል ኣምላኽ ከምቲ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ ኪዳን ዘኪሩ ካብ ግብጺ ከውጾም ከሎ ህዝቢ ክኾንዎ ንሱ ድማ ኣምላኾም ክኸውን፡ ከምልኽዎ እምበር ንኻልእ ኣይነበረን። ናይ ደቂ እስራኤል ዘይምእማን ግን (እብ4:2) ናብ ዘይምእዛዝ ኣስዓበ። 

  • ክጽገሙ ከለዉ ምድሓን ኣምላኽ ማለት ኢድ-ኣምላኽ ይደልዩ ነበሩ፡ ደቂ እስራኤል ኣብ በረካ ሲና ብዘይ ምእማኖም ንኣምላኽ ዝያዳ እካደኣ ፈተንዎ (ዘጽ17:7)።
  • ብሓቂ ገጽ-ኣምላኽ ክደልዩ ከለዉ ግና ኣምነቶም ከሐድሱ ማለት ነቲ ኣምላኽ ዝበሎም ኣሚኖም ክትግብርዎ ከለዉ ንዕዘብ (እዝ10) በዚ ምኽንያት ድማ ክብሪ ኣምላኽ ይግለጽ ነበረ 
  • ሰብ ነነዌ ን ኣምላኽ ተዘይኣምኑ ገጹ ኣይምደለዩ ንዮናስ ውን ኣይምሰምዑን (ዮናስ3:5)

2- ምእዛዝ ወይ ፍቃደኛ ልቢ ምውናን፡ ታሪኽ ደቂ እስራኤል ኣብ ዘመን ሳኦልን፡ ታሪኽ ደቂ እስራኤል ኣብ ዘመን ዳዊትን። ኣብዚ ኣብነት ሳኦል ኢድ ኣምላኽ ይደሊ ነበረ የግዳ ገጽ-ኣምላኽ ምድላይ ዘይተለማመደ ሰብ ምንባሩ ንኣምላኽ ክእዘዝ ኣይንረኽቦን፡ እዚ ድማ ዘይምእዛዝ፡ ስዒቡ ድማ እምነት ምጉዳል ክምጽኣሉ ከሎ ንርኢ። በንጻሩ ዳዊት ህልውና ኣምላኽ ኣዝዩ ዘስተማቅር ምንባሩ ኣብቲ ሕማቅ እዋን ውን ከይተረፈ ኣምላኽ ምስኡ ክህሉ ይደሊ ነበረ። ኣብቲ ምእዛዝ ዘጉድለሉ እዋን ውን ከይተረፈ ኣምላኽ ክቀጽዖ ከሎ ዝያዳ ኣይትፈለየኒ ካብይ ኣይርሓቅ መንፈስካ ኣይተግድፈኒ ዝብል ልቢ ነበሮ። እዚ ድማ ዝያዳ ኩሉ ኣምላኽ ምስኡ ክህሉ ይደሊ ምንባኡ እዩ። እምበኣር ንኣምላኽ ገጹ ምድላይ ፍቃዱ ክትገብር ክትእዘዝ ፍቃደኛ ልቢ ምውናን ምኻኑ የርእየና።

መወከሲ መጽሓፍ ቅዱስ ታሪኽ ሳኦልን ዳዊትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝነበሮም ምምልላስ ዝገልጽ ታሪኽ (መጽሓፍ 1ይን 2ይን ሳሚኤል) 

  • ሳኦል (1ይ ሳሚ15፡22-23) ሳኦል ዘይምእዛዙ ከይኣኽሎ ኣምላኽ ብምጉሃዩ ዘይኮነ እታ መንግስቲ ካባኡ ምኻዳ እዩ ኣጉህይዎ፡ እዚ ድማ ውጽኢት ኢድ ኣምላኽ እምበር ገጹ ዘይምድላይ ግዝያዊ ወይ ድማ ኩነታዊ ድሌት ዘስዓቦ እዩ።
  • ዳዊት (ግብ 13:22) ዳዊት ፍቃድ ኣምላኽ ንኽገብር ዘመኑ ስለ ዝወፈየ ፍቃደኛ ልቢ ስለ ዝወነነ ገጽ-ኣምላኽ ዝደሊ ሰብኣይ ነበረ ኣምላኽ ድማ ምስኡ ነበረ፡ ኢድ ኣምላኽ ውን ኣብ ልዕሊኡ ትስልጥን ነበረት። ወላ እንተ ዘይሰልጠነት ውን ፍቃድ ኣምላኽ ህልውና ኣምላኽ ዝደሊ ሰብኣይ ምንባሩ ንርዳእ።

3- ገጽ-ኣምላኽ ምድላይ ብጸሎት ኣምልኾ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምቅራብ የድሊ፡ በዚ ኢድ ኣምላኽ ክንደሊ ውን ጸሎት/ ኣምልኾ የድሊ እንተኾነ ኣብቲ ንጽልዮ ግን ይፈላለ እዩ ማለት ኢድ ኣምላኽ ክንደሊ ረዲኤት ኣምላኽ ምስ ረኸብና፡ ኣብዚ እዩ ጸሎትና ዘብቅዕ፡ ገጽ-ኣምላኽ ክንደሊ ኸሎና ግና እነዕርፎ ነገር ኣይኮነን ንወለዶታት ዝኸይድ ነገር ውን ክኸውን ይክእል እዩ፡ “ኣቱም ንእ/ግ እተዘክርዎ ኣይትዕረፉ” ኢሰ62፡1,6። 

  • ገጽ-ኣምላኽ ክንደሊ ከሎና ዘየቃርጽ እዩ፡ስለ ሃገር ስለ ማሕበር ስለ እስራኤል፡ ስለ ወለዶ ክኸውን ከሎ፡ ውልቃዊ ኣይገብሮን። እቲ ውልቃዊ ውን እንተ ኾነ ድሌታትና ምምላእ ኣይከውንን። ድሌት ኣምላኽ ክንመልእ እዩ።
  • ኢድ-ኣምላኽ ክንደሊ ኸሎና ግን ኣብ ውልቃዊ ውን ክወድ ይክእል ግዝያዊን ኩነታዊን ውን ክኸውን ይኽእል፡ እቲ ረዲኤት ኣምላኽ ምስ ንረክብ እዚ ጸሎትና የብቅዕ። 
  • ጸሎት ዳንኤል ስለ ህዝቡ ኣምላኽ ምሕረት ክገብር ገጹ ክመልሰሎም ምድሓን ክህቦም ከም ዝጸለየ፡ ገጽ-ኣምላኽ ደለየ(ዳኒ9:1-21)
  • ሞራቭያን ሕብረተሰብ ኣብ ሃገረ ጀርመን ዝርከቡ ዝነበሩ ኮይኖም ገጽ-ኣምላኽ ንምድላይ ን100 ዓመት መመላእታ 24/7 ብዘይምቁራጽ ጸለዩ፡ በዚ ድማ፡ “The whole place represented truly a visible habitation of God among men.” ብምባል ክሳብ ዝግለጽ ህልውና ኣምላኽ ኣብ ማአከሎም ነበረ። (ምንጪ፡ ክርስትያን ሂስቶርይ)

4- መገዲና ምቅናዕ ፡ ገጽ-ኣምላኽ ምድላይ ነቲ ቄናን ኣካይዳና ኣረጊት ንብረትና ከነዐሪ እዩ ዝድርከና፡ ደቂ እስራኤል ናብ ኣምላኽ ክምለሱ ከለዉ ቀዳማይ ዝገብዎ ነገር እንተ ኔሩ፡ መሰውኢ ምሕዳስን ነቲ ዝነበረ ናይ ጣኦታት መሰውኢታት ምፍራስን፣ ጣኦታት ምፍራስን ምንዳድን ነበረ። በዚ ድማ ልቦም ፍጹም ናብ ኣምላኽ ከም ዝተመልሰ ገጽ-ኣምላኽ ከም ዝደለዩ ምልክት ይኸውን ነበረ እሞ ኣምላኽ ድማ ይፍውሶም ነበረ (2ዜና7:14)። ኣብዚ ናብ ኣምላኽ ብምሉእ ልብኻ ምምላስ ን ኣምላኽ ምድላይ መገድኻ ምቅናዕ ከም ዝጠልብ ንዕዘብ።

  • ያቆብ ነቲ ኣብ ምድሪ ስደቱ ኢዱ ዘይተፈለየቶም ኣምላኽ ገጹ ክደሊ ኸሎ ንሱን በቱ መገዶም ከቅንዑ ከለዉ ንርኢ (ያቆ35:1-7)
  • ሰብ ነነዌ ብምሉአ ልቦም ናብ ኣምላኽ ተመሊሶ ካብ ሰብ ክሳብ እንስሳ፡ ኣምላኽ ድማ ምሕረት ገበረሎም (ዮና3:5)

ገጽ-ኣምላኽ ምድላይ – ምእማን፡ ምእዛዝ፡ ምጽላይ፡ ምቅናዕ ዘድልዮ ክቱር ጽምኣት ነቲ ምንጪ ዓይኒ ማይ ዝኾነ ኣምላኽን ክብሩን ክኸውን ከሎ። ኢድ-ኣምላኽ ምድላይ ግና ነቲ ምንጪ ማይ ዘይኮነስ ነቲ ማይ ክንደሊ ከሎና ከም ማለት ምኻኑ ኣብ ታሪክን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ንመሃሮ ሓቂ እዩ። ገጽ-ኣምላኽ ዘየቃርጽ ነገር እዩ ኢድ-ኣምላኽ ምድላይ ግን ግዚያውን ክውንነታውን እዩ። ገጽ-ኣምላኽ ምድላይ ድላይካ ገዲፍካ ስምረት ኣምላኽ ንምፍጻም ዝዓለመ እዩ፡ ኢድ-ኣምላኽ ምድላይ ንድሌታትና ስለ ዝጎደለና ክኸውን ይኽእል እዩ።

ገጽ-ኣምላኽ ንደሊ ምስ ኣምላኽ ዝምድና ስለ ንደሊ ጥራህ ዘይኮነ ኣምላኽ ውን ስለ ዝደሊ እዩ። ኩሎም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ ናይ ኣምላኽ ሰባት እቲ ቀንዲ ድላዮም ወይ ጸሎቶም ዝነበረ ኣምላኽ ክብሩ ከርእዮም ኣምላኽ ገጹ ከርእዮም ወይ ኣብ ህልውና ኣምላኽ ክነብሩ ዝብል ነበረ።

ኣብነት ንምጥቃስ 

  • ሙሴ – ገጽካ ኣርእየኒ 
  • ዳዊት ውቃበኻ ንምምርማር 

መወዳአታኦም ድማ ጸቢቁ።



  • መወከሲታት (References)
  1. ናይ ቅድም ሕታም ትግርኛ መጽሓፍ-ቅዱስ (ዘዳ4:29, 2ይዜና7፡14, መዝ27፡8,  https://www.kingjamesbibleonline.org/Bible-Verses-About-Seeking-God_KJV
  2. መወከሲ ናይ መጽናዕቲ መጽሓፍ-ቅዱስ https://biblehub.com/commentaries 
  3. መጽሓፍ ቅዱስ ሌጎስ ሶፍትዌር https://classic.app.logos.com
  4. መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ብቤተ-ጽዮን ዝተዳለወ https://www.betezion.com/bible-passage
  5. ቃል-መሕተት ድምጺ ተሓድሶ ሚድያ ምስ ፓስተር እስራኤል፡ ዛዕባ ገጽ-እግዚኣብሄር ምድላይን ኣብ ህይወትና ዘምጽኦ ለውጢ፡ ብደረጃ ውልቅን፡ ስድራን፡ ከምኡውን ሃገርን፡ መንጽር ብምግባር ዝተገብር ትምህርታውን ውልቃውን ታሪኻውን ምስክርነት ዝሓዘለ። https://youtube.com/playlist?list=PLCRPoJWCXIS3UofVWDdkxXNWChEOM2tlu
  6. ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ሕብረተሰብ ሞሪቭያውያን https://christianhistoryinstitute.org/magazine/article/one-hundred-year-prayer-meeting

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You Missed